
Singer Ministry is a Christ-centered fellowship committed to sharing the love of Jesus through worship, prayer, discipleship, and compassionate outreach. We serve refugees, families in crisis, the sick, and the lonely across Europe and back home in Eritrea.
ሲንገር ሚኒስትሪ ብፍቕሪ ክርስቶስ ዝተመስረተ ሕብረት እዩ። ብመዝሙር፣ ጸሎት፣ ደቀ መዛሙርቲ ምዕባይን ብምሕጋዝ ሰባትን ፍቕሪ የሱስ ንምክፋል ንሰርሕ። ኣብ ኤውሮጳ ዘለዉ ስደተኛታት፣ ኣብ ጸገም ዘለዉ ስድራቤታት፣ ሕሙማትን ብበይኖም ዝነብሩ ሰባትን ከምኡ’ውን ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ሕዝብና ንደግፍ።
Our mission is to strengthen believers, unite communities in faith, and provide practical love in action. Whether you serve in a local branch or want to get involved at a European level, this ministry exists to help you find your place in the body of Christ.
ዕላማና ንኣመንቲ ምብርታዕ፣ ንሕብረተሰብ ብእምነት ምሕባር፣ ከምኡ’ውን ብተግባራዊ ፍቕሪ ምግልጋል እዩ። ኣብ ናይ ከባቢኻ ጨንፈር ትገልግል ወይ ኣብ ደረጃ ኤውሮጳ ክትሳተፍ ትደሊ እንተኾንካ፣ እዚ ሚኒስትሪ ኣብ ኣካል ክርስቶስ ቦታኻ ክትረክብ ንምሕጋዝ ተቐሪቡ ኣሎ።
Through worship gatherings, youth fellowship, Bible study, humanitarian support, and community outreach, we seek to bring hope, unity, and spiritual growth to people everywhere.
ብመዝሙርን ጸሎትን፣ ናይ መንእሰያት ሕብረት፣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ሰብኣዊ ሓገዝን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ኣቢልና ተስፋ፣ ሓድነትን መንፈሳዊ ዕቤትን ናብ ኩሉ ሰብ ክንበጽሕ ንጽዕር።